ኣርማ ወይ መለለዪ ሌላ ሕብረተሰብ ኣብ ኦስተርጎትላንድ ኣራንሾኒ ዝምድሩ ብጻዕዳ ሕብሪ ዝተጻሕፈ ጽሑፍ
|    |  ቋንቋ  |  ምምልካት ስልጠና ወይ ትምህርቲ  |  ባዕልኻ ተመሃር  |  ብዛዕባና  |  መራኸቢ ኣድራሻና  | 
 
ዝተዋህለለ መርበባት
ዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ሽወደንን ኦስተርጎትላንድን


ሓበሬታ ብዛዕባ ሽወደን ኣርማ ወይ ሎጎ ባንዴራ ሽወደንን informationsverige.se, ዝብል ጽሑፍን ምስ መሓበሪ ብዛዕባ ሕብረተሰብ ሽወደን
ኣብ ገጽ መርበብ ሓበሬታ ምምሕዳር ዞባ ኦስተርጎትላንድ ናይ ኣውራጃ ምምሕዳራዊ ቦርድታት ሓበሬታ ኣብ ሽወደን ንኽትነብር ክትፈልጦ ዘድልየካ ጽቡቕ ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ። ኣብዚ መርበብ ሓበሬታዚ ነታ "መጽሓፍ ብዛዕባ ሽወደን " ክትጽዕና ወይ ከተውርዳ ወይ ከኣ ባዕልኻ ቛንቋ ሽወደን ክትመሃር ዘኽእልን ካልእ እተፈላለየ ናውትን መሳለጢያታትን ከተራግፍ ወይ ክትጽዕን ትኽእል ኢኻ ።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ ኣብዚ መርበብ ሓበሪኣታ ወብ ርአ https://www.informationsverige.se



ዞባ ኦስተርጎትላንድ ኣርማ ወይ ሎጎ ናይ ብሎክሊንት ዝበሃል ዕምባባ ብጻዕዳ ምስ ሰማያዊ ምድሩ
ዞባ ኦስተርጎትላንድ ከም ጥዕናን ክንክን ሕሙማትን፣ ክንክን ጥዕና ስኒ፣ ህዝባዊ መጓዓዝያ፣ ከምኡውን ናይ ዞባ ኦስተርጎትላንድ ከባብያዊ ምዕባለን ውሑስ ፖሊሲን ተሓታቲ እዩ። ኣብዚ መርበብ ሓበሬታዚ ብዛዕባ እቲ ብዓል ስልጣን ዚዓየሉ መዳያት ዝያዳ ሓበሬታ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ ።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ ርአ https://www.regionostergotland.se/


ናይ 1177 ኣርማ ወይ ሎጎ ጽሑፍ ብጻዕዳ ሕብሪ 1177 ከምኡ ውን ምኽርን ሓበሬታን ጥዕና ምስ ኣገልግሎት ጥዕናን ክንክንን ኣብ ቀይሕ ዝሕብሩ ምንጻፍ
1177 ቮርድጋይደን ማለት ሓደ መርበብ ሓበሬታን ናይ ተለፎን ኣገልግሎትን ኮይኑ ኣብ ጥዕናን ክንክንን ሓበሬታ ምኽርን ኣገልግሎትን ዘለዎ ገጽ እዩ። ኣብዚ ብዛዕባ ሕማምን ቃንዛን መርመራታትን ከምኡ ውን ዝወሃቡ ክንክንን ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ኦስተርጉትላንድን ኣብ ዝተረፈ ኽፋል እታ ሃገርን ንዚርከባ ማእከላት ጥዕናን ክሊኒካትን ዚኸውን ኣድራሻታትን ናይ ምኽፋት ሰዓትን ኣገልግሎትን ክትረክብ ኢኻ። ንኣብነት ናብ 1177.se ብምእታው ንእተኣዘዘልካ መድሃኒት ከተሐድሶን ቈጸራኻ ኽትስርዞን ትኽእል ኢኻ።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ ርአ https://www.1177.se/Ostergotland/


ኦኾታ ትራፊክ (Östgötatrafiken) ብጽሑፍን ቅርጽን ኣብ ጻዕዳ ብቀይሕ ሕብሪ
ኦኾታትራፊከን ኣብ ኦስተርጉትላንድ ህዝባዊ መጓዓዝያ ናይ ምግባር ሓላፍነት ኣለዎ ኣብ ብምሉኡ እቲ ኣውራጃ ኸኣ ብኣውቶቡስ ብባቡር ከምኡውን ብናይ ዓበይቲ ማካይን መገድታትን ሰሌዳ ግዜን መደብ የውጽእ። መርበብ ሓበሬታ ኦኾታትራፊከን ብጎግል ክትርጐም ይከኣል እዩ ። ኣብ ገጽ መርበብ ሓበሬታኦምን ኣብ ኣፕሊኬሽኖምን ከም ባህላዊ ሰሌዳ ግዜ ንጕዕዞ ዚምልከት መደባት ኬናድዩ ይኽእሉ እዮም።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ ርአ https://www.ostgotatrafiken.se/


ዮታቢብሊዮተክ ማለት ዞባዊ ቤት ንባብ ዞባ ኦስተርጎትላንድ ብኽልተ ዝሕብሩ ምልክትን ጻዕዳ ዝምድሩ ብጸሊም ዝተጻሕፈ ጽሑፍ
ኣብ መላእ ኦስተርጎትላንድ 44 ኣብያተ- መጻሕፍትን ሰለስተ ናይ መጻሕፍቲ ኣውቶቡሳትን ወይ ተንቀሳቐስቲ ቤት ንባብን ኣለዋ! ኣብ ርእሲ እዚውን ኣብ ሊንሾፒንን ኖርሾፒንን ኣብ ዝርከብ እተፈላለየ ኣብያተ-መጻሕፍቲ እተኸፋፈለ ናይ ዩኒቨርሲቲ ቤተ-መጻሕፍቲ ኣሎ። ኣብ ሞንጎ እዘን ዝተፈላለያ ቤት ንባባት ዓበይትን ናእሽቱን ብዘየገድስ ኩለን ኣብ ሓደ ብመርበብ ዝተጠምራ ኮይነን ንሓድሕደን ብቕልጡፍን ብቐሊልን ኣገባብ መጻሕፍቲ ናይ ምልኣኽ ኣገልግሎት ኣለወን። ስለዚ ካብ ዝዀነ ይኹን ቤተ-መጻሕፍቲ ዝደለኻዮ ኽትልቃሕ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ሪጋ ብምሓዝ እትጽበዮ መጽሓፍ ኣበየናይ ቤተ-መጻሕፍቲ ኢኻ ክመጻካ ወይ ክሰዱልካ እትደሊ ኣረጋግጽ። ኣብ ገጽ መርበብ ሓበሬታ ዮታ ቢብሊዮተከን ክትልቃሕዎ ወይ ብኤለክትሮኒካዊ መገዲ ክትጽዕንዎ እትደልዩ መጻሕፍቲ ኽትዕቅቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ ርአ https://www.gotabiblioteken.se/