ኣርማ ወይ መለለዪ ሌላ ሕብረተሰብ ኣብ ኦስተርጎትላንድ ኣራንሾኒ ዝምድሩ ብጻዕዳ ሕብሪ ዝተጻሕፈ ጽሑፍ
|    |  ቋንቋ  |  ምምልካት ስልጠና ወይ ትምህርቲ  |  ባዕልኻ ተመሃር  |  ብዛዕባና  |  መራኸቢ ኣድራሻና  | 
 
ብዛዕባና


እቲ ኣብ ኦስተርጎትላንድን ትራናስን ዝውሰድ ሌላ ሕብረተሰብ ብምስምማዕ ምምሕዳራት ኦስተርጎትላንድን ትራኖስን በቲ ኣብ ዞባ ኦስተርጎትላንድ ዝርከብ ኣሃዱ ኢዩ ዝፍጸም ። ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ዞባዊ ትካል ኮይኑ ክሰርሕ ዝተደልየሉ ምኽንያት ንዅለን እተን ኣብቲ ኸባቢ ዘለዋ ምምሕዳራት ብግቡእ ዝሰልጠኑ ዞባዊ ማሕበራውን ጥዕናውን መራኸቢ ብምሃብ ብቛንቋ ኣደን ማዕረ ማሕበራዊ ኣንፈት ናይ ምሃብ ኣጋጣሚ ንምፍጣር ኢዩ።

ወሃቢቲ ወይ ኣሰልጠንቲ ሌላ ሕብረተሰብ ጽቡቕ ስልጠና ዝረኸቡን ካብ ዓዶም ዘምጽዎ ጽቡቕ መሰረት ባህሊናይቶም ተሳተፍትን ባህሊ ሽወደንን ኣለዎም። ብቁንቋ ዓረብ፣ ሶማል፣ ሶርያ፣ ፋርስ/ፋርሲ፣ ዳሪ፣ ትግርኛ ኣሶር ኣምሃሪንጃ ኩርማንጂ ፈረንሳ እንግሊዝን ቀሊል ወይ ፎኲስ ሽወደንን ትምህርቲ ንህብ።

Bild på samhällsorienteringens pesonal

ሌላ ሕብረተሰብ ኣብ ሽወደን ብመሰረት ሕጊ ንኽውሰድ ዝጸደቐ ኮይኑ ኣብ ሞንጎ ሰልጠንቲ ናይ ዝርርብ ዕድል ብምፍጣር ንሓደስቲ ሰባት ብቋንቋ ኣደ ዝወሃብ ካብ ዝግበር ጻዕሪ እዩ። ብመሰረት እቲ ሕጊ ምምሕዳራት ነቶም ካብ 18 ኽሳዕ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም ሓደስቲ ሰባት እንተ ወሓደ ን100 ሰዓት ብቛንቋ ኣዲኦም ስልጠና ሌላ ሕብረተሰብ ማለት ብዛዕባ ሲቭላዊ መነባብሮ ሕብረተሰብ ሽወደን ከሰልጥና ይግደዳ እየን።

እቲ ኣብ ዞባ ኦስተርጎትላንድ ዝወሃብ ስልጠና ሌላ ሕብረተሰብ ብድምር 102 ሰዓት ዚወስድ ኰይኑ 30 ቴማታት ዝሓቘፈ እዩ ፣ እዚ ኸኣ 38 ክፍለ ግዜ ብምርኻብ እዩ ዚፍጸም ። ነፍሲ ወከፍ ናይ ትምህርቲ ክፍለ ግዜ ሰለስተ ሰዓት ዚሽፍን ኮይኑ ኣብ ውሽጢ 7-8 ሰሙናት ይወሃብ። ከም ንቡር ነፍሲ ወከፍ ጕጅለ ብመሰረት እቲ ኣብ መዓልታዊ ዚገብርዎ ተወሳኺ ንጥፈታት ወይ ቅድሚ ቀትሪ ወይ ድማ ድሕሪ ቀትሪ ክሳተፉ ይኽእሉ። ከም ኣብነት ድሕሪ ወይ ቅድሚ (SFI) ኤስ. ኤፍ. ኢ.